Connection has lost...

ዌልኑ (WelnU) እንታይ እዩ?

ዌልኑ ብወለንተኛታት ዝቖመ ተቕውም (ትካል) ኮይኑ፡ ንስደተኛታት ናይ ሆላንደኛ ትምህርቲ ዝህብ ትካል እዩ።
ምውህሃድ ምስ ሕብረተሰብ ካብ መጀምርታ መዓልቲ ክጅመር ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን፡ እዚ ደማ ብዘይ ቋንቋን ማሕበራዊ ርክባትን ክኸውን ኣይክእልን እዩ
ካብ ኩሉ ሃገራት ዝመጹ ሰባት፡ ዝተፈላለይ ድሕረባይታን ደረጃን ዘለዎም፡ ካብ ጽሒፎምን ኣንቢቦምን ዘይክእሉ ሰባትን ክሳብ ሆላንደኛ ብጽብቕ ዝመልኩ ሰባትን፣ ኣብ ንእሽተይ ጉጅለ ብሙዃን፡ ብ ወለንታውያንና (ናይ ቋንቋ ተሓጋገዝቲ) ትምርህርቲ ይውሃቦም
ምስ ብዙሓት ወለንታውያን ኢና ንሰርሕ
ስለዚ ከኣ፡ ትምህርትና ናይ ውልቃውን ተሳተፍቲ (ተማሃሮ) ድማ እንታይ ከም ዝብርትዖም ብግቡእ ክገልጹ የኽእሎም
ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ናውቲ ትምህርቲ፡ዕዮታት፡ መጻሕፍቲ ብምጥቃም ተመሃሮና ንቕድሚት ይግስግሱ
ካብ 2015 ጀሚርና ኣብ ኡትሬኽት ንነጥፍ ኣሎና
መጀመርታ ብ ናይ ቋንቃ ትምህርቲ፣ ኣብ ናይ ቅደም ናይ ህጹጽ መዕቆቢ ቦታ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቤት መግብን መስተን ካንቲንን ኣብ ደ ያኸር ናይ ከባቢ መራኸቢ (ቡርሰንትሩም)
ካብ ምጅማር 2019 ምስ ሓደሽቲ ግሩፕ (ተሓጋገዝቲ) ብሙዃን ኣብ ሮተርዳም ኣብ ካፕሰ ማርያ ውን ጀሚርና ኣሎና

ኣይናይ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እየን ዘለዋ?

ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርትና ብቡዙሕ ዓይነት መንገዲ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ/ኺ
ኣብ ጉጅለታት ኣተኲርካ/ኪ ክትስርሕ/ሒ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፡ ንኣብነት ብዝሒ ቃላትካ ንምዕባይ ወይ ውን ምምሃር ቅርጺ ናይ ሙሉእ ሓሳባት ኣብ ምስራሕ ከምኡ ውን ሕግታት ናይ ሰዋስው ብብዝሒ ብምጽሓፍ ምልምማድ፡ ብብዝሒ ምስ ወለንታውያን ብምዝርራብ ውን ናይ ዘረባ ክእለትካ ከተማዕብል ትኽእል

ንመን?

ኩሉ ሰብ ዕድመ፡ዜግነት፡ ወይ ድማ ወረቐት ብዘይ ኣገድስ ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርትና ክሳተፍ ፍቑድ ወይ ውን ዕዱም እዩ

ዕላማ

ዕላማ ናይ ዌልኑ፡ ንኹሉ ሆላንደኛ ንኽምሃር ድሌት ዘለዎ ምምሃር እዩ
ኩሉ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ነብሱ ከማዕብል መሰል ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን
እዚ ድማ ምስ ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ከይተረዳደእካ (ከይተዛረብካ)ክኸውን ኣይክእልን እዩ
ሰለዚ ኸኣ ን ነፍስወከፍ ሓገዝ ናይ ቋንቋ ሆላንድ ዘድልዮሰብ ኣብ ምምሃር ንሕግዝ

ንሕና መን ኢና?

Utrecht
Rotterdam
Amsterdam
Rex Langenberg
ተሓዚ ገንዘብ
Floris van Eck
Coördinator
Elco Buurma
Lesmateriaal
Loïs Langenberg
ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ሚድያ