Connection has lost...

ወልንታውያን (ተሓጋገዝቲ)

ወልንታውያን (ተሓጋገዝቲ)
ምስ ዊልኑ/WelnU ወልንታዊ (ተሓጋገዛይ) ክትከውን ትደሊ?
ኣዝዩ ደስ ደስ ይብል! ምኽንያቱ ሓገዝካ ብርግጽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና
ምስ ናትካ ሓገዝ ንኹሎም ተማሃሮና ጽብቕ ናይ ቋንቋ ሓገዝ፡ መእንታን ብስሩዕ ኣብ ሀገረ ሆላንድ ክነብሩ ከንበርክተሎም ንኽእል ኢና
ደቂ ሰባት ዓቕምታቶም ኣብ ምምዕባል ክትሕግዞም ኢኻ፡ ንኣብነት ምስ ጎረቤቶም ንእሽትይ ዝርርብ ንኽገብሩ፡ ካብ መንግስቲ ሆላንድ ዝመጾም ደብዳቤታት ኣንቢቦም ንኽርድኡ
እዚ ክእለት ንነፍስወከፍ ማሕበራዊ ርክብ ኣገዳሲ እዩ፣ እዚ ድማ መሰል ኩሉ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝቕመጥ ሰብ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን
ከም ወለንታዊ ናይ ዊልኑ መጠን ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ 2 ሰዓት እንተበዘሐ ንተማሃሮና ትምህርቲ ትህብ
ካብ ሰለስተ ናይ ትምህርታ ክፍለ ግዜ ክትመርጽ ትኽእል፣ ኣብ እትቕ-መጠሉ ቦታን ትምህርቲ ዝውሃበሉን ስዓት እዩ ዝሙርከስ
ቀጻልነት(ስሩዕነት) ናይ ተማሃሮና ንምውሓስ፡ ከም ወለንታዊ መጠን ኣብ ወርሒ ብውሕዱ 3 ገዜ ኣብ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜ ክትህልው/ዊ ንሓተካ/ኪ።
ምስ ዌልኑ ወለንታዊ ምዃን ማለት ትምህርቲ ምሃብ ጥራይ ኣይኮነን፣፡ እንታይ ድኣ ካልእ ዝተፈላለይ ብዙሕ ንጥፈታት እውን ነዳሉ ኢና፡ ንኣብነት ስልጠና ከመይ ጌርካ ትምህርቲ ከምትምህር፡ ስልጠና ካብ ተቕዋማት (ትካላት) ከም በዓል ማሕበር ስደተኛታት (Vluchtelingenwerk)፡ ከምኡ ኸኣ ንእሽተይ ናይ ዓረበኛ ቋንቋ ትምህርቲ
ኣብ ጎድኒ ናይዚ ትምህርታዊ ንጥፈታት፣ ሱሩዓት ናይ ብሓንሳብ ምስታይ (ቦረል)፡ ናብ በዓላት (ፓርቲ) ሓቢርካ ምኻድ፡ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ትምህርቲ ናይ ሓቢርካ (ስደተኛታትን - ወለንታውያንን) ምብላዕ መደባት ወን ኣሎና

እዚ መደብ ጽቡቕ ኮይኑ ዶ ይስምዓካ?
ስለዚ ናብ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓዲኡ ኣድራሻና ኢመይ ልኣኽ ( ናብ ኣብቲ ከተገልግለሉ ደሊኻ ዘለኻ ከተማ)
ብቑልጥፍ ክንምልሰልካ ኢና፡ ኣገዳሲ ዝብሃል ሓበሬታ ወን ክንልእኸልኽእ ኢና፡ ሰለዚ ከም ወለንታዊ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክትህብ ትኽእል ኢኻ
ኣብ ዝሓጸረ ግዜ የራኽበና!

Utrecht: welnutaal@gmail.com
Rotterdam: welnurotterdam@gmail.com
Amsterdam: welnuamsterdam@gmail.com

እዚ ሊስታ (መደብ) ንዘለኻዮ ከተማ ኣይተቅስን ድዩ?
ንሕነ እውን ኩሉ ግዜ መደብና ኣብ ካልኦት ዓድታት/ከተማታት ንምስፍሕፋሕ ሰባት ንደሊ ኢና
ካብ ተመኩሮና ኣብ ምምስራት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብዙሕ ኣፍልጦ ኣሎና ፡ንኣብነት ኣብ ምድላይ ወለንታውያን፡ ኣብ ምድላይ ምስ እዚ መደብ ዝኸይድ ቦታ፣ ኣብ ምዕባይ ናውቲ ትምህርቲ ምስ ዓቕምታት ተማሃሮ ክንሕግዘኩም ንኽእል
ኩሉ ኣገዳሲ ዝብሃል ናውቲ ኣሎና፡ ከም ብዓል ናይ ጎስጓስ ወርቐት(ፍላየር) ንተምሃሮን ወለንታውያንን ዝኸውን፣ ኩሉ ናውቲ መምሃሪ ድልው እዩ።
ኩሉ ናውቲ መሳርሒና ፣ ተመኩሮን ከነካፍለኩም ሕጉሳት ኢና
ከምዚ ዓይነት መደብ ንክትጅምሩ ትደልዩ? ወይ ውን ዝያዳ ሓበሬታ ትደልዩዶ?
ኢመይል ናብ welnutaal@gmail.com ልኣኹ፡ ቀጺልና ንሕና ክንረኽበኩም ኢና